ኣድማ ሰራሕተኛታት ባቡር ኣመሪካ ዝሃድአ ይመስል

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

US Rail Strike Biden

(ዋሺንግተን ዲሲ)--ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሃገራዊ ኣድማ ንምውጋድ ዝሓሸ ክፍሊትን ምምሕያሽ ኩነታት ስራሕን ኣመልኪቱ ኣብ መንጎ ቀንዲ መጓዓዝያ ፅዕነት ባቡርን ማሕበር ሰራሕተኛታትን ኣብ ግዚያዊ ስምምዕ ምብፅሖም ሎሚ ሓሙስ ንጉሆ ገሊፆም።

ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ምስ ምንስቴር ሰራሕተኛታት ኣመሪካ፣መጓዓዝያ ባቡርን ሰራሕተኛታትን ምሉእ ለይቲ ምስተዘራረቡ ባይደን “ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ 19 ኣሜሪካዊያን ስድራታትን ማሕበረሰባትን ኣብዞም ኣፀገምቲ ዓመታት ክቕፅሉ ደኺሙና ከይበሉ ንዝሰርሑ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዓወት እዩ፡” ኢሎም።

ፀሓፊ ክፍሊ ሰራሕተኛታት ማርቲ ዋልሽ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሑዎ መልእኽቲ ኣብ መንጎ ኩባኒያታት ባቡርን ማሕበር ሰራሐተኛታትን ን20 ሰዓታት ዝተኻየደ ድርድር ስዒቡ ዝተበፅሐ ስምምዕ እዩ ኢሎ።

ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታት ነቲ ግዚያዊ ስምምዕ ከፅድቑዎ ኣለዎም።ክፍፀም እዩ ተባሂሉ ዝነበረ ኣድማ ኣብ መላእ እታ ምጕዓዝ ቀረባት ምግቢ ከተኣጓጉል እዩ ዝብል ፍርሒ ፈጢሩ ነይሩ።