ለብዒ ኮቪድ ኣብ ዝተሓተ ብርኩ ምብጻሑ ተሓቢሩ

  • ገብረ ገብረመድህን

ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ መጋቢት 2020 ካብ ዝጅመር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝሞቱ ዝተመዝገቡ ሰባት እቲ ዝወሓደ ምዃኑን ንዓመታት ዝዘለቐ ዓለምለኸ ለበዳ መቐይሮ ነጥቢ ክኸውን ከምዝኽእልን ገሊፆም።

ዋና ዳይረክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ዓለም ኮቪድ-19 ጠጠው ንምባል ከምዚ ናይ ሕዚ ግዜ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ተረኺባ ኣይትፈልጥን ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ገና ግን ኣብ መወዳእታ ከም ዘይተበጽሐ ግን ምሉእ ተስፋታት ከም ዘሎ ጠቒሶም።

እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ወኪል ጥዕና ኣብ ዘውፅኦ ሰሙናዊ ፀብፃቡ ብዝሒ ሞት 22 ምእታዊ ወይ ልዕሊ 11,000 ሰባት ምማቶም ከም ዝተመዝገቡ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሕዚ እውን እንተኾነ ግን ምልሕላሕ ምምርማርን ምክትታልን እቲ ለበዳ ከይተፈልጠ ክጋፋሕ ዘኽእል እዩ ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ።