ብኣንደበቶም፤ ኣብ ክልል ዓፋር ተኣሲሮም ዘለዉ ተወላዶ ትግራይ

  • ገብረ ገብረመድህን

Your browser doesn’t support HTML5

ካብ ከተማ ኣብዓላ ተወሲዶም ኣብ ዋና ከተማ ክልል ዓፋር ሰመራ ተኣሲሮም ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ብኣልማማ ተገፊፎም ንልዕሊ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ተኣሲሮም ምህላዎም ይሕብሩ። ካብ ካልእ ናፃ ምንጪ ከነረጋግፆ ደኣ ኣይንኽኣል እምበር ንሳቶም ብዝሃቡዎ ቍፅሪ ኣስታት 12,000 ከም ዝበፅሑ ይነግሩ። ንኽልተ ካብቶም እሱራት ብስልኪ ከነዛራርቦም ክኢልና ኣሎኦና። ንድሕነትና ስለ እንሰግድእ ሽምና ኣይገለፀ ኢሎም ኣለው፡ ድምፆም ድማ ቀዪርናዮ ኣለና።