መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ስራሑ ደው ከም ዘበለ ኣፍሊጡ
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ትግራይ ዝዓበየ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር፡ ብሕፅረት መሰረታዊ ቀረባት ክሳቐ ድሕሪ ምፅናሕ፡ ሕጂ ግን መወዳእታ ስለ ዝበፅሖ ስራሕቱ፡ ካብ ሰንበት ኣትሒዙ ደው ከብል ከም ዝወሰነ መዲካል ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ክብሮም ገ/ስላሴ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም።
እቲ መወከሲ ሆስፒታል ብዋሕዲ ቀረባት መድሃኒት፡ ስእነት ደሞዝ ሰራሕተኛታትን ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ክሳቐ ምፅናሑ በብእዋኑ ክዝረብ ጸኒሑ’ዩ።