ጋና ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ንምሕጋዝ ፈተነታት ይግበር

  • ተወልደ ወልደገብረኤል
    ዜና ቪኦኤ

Vaccination campaign against COVID-19 in Accra

ኣብ ጋና ሓደ ተጠርጣሪ ጾታዊ ዓመጽ ክኽሰስ እንተዀይኑ፡ እታ ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺሙኒ ዝበለት ሰብ፡ ካብ ሕክምና ውጽኢት መርመራ ከተቕርብ ከምዘላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ ሕጂ ግን ንምቕያሩ ይጽዓር ኣሎ። እቲ ሕክምናዊ መርመራ ክቡር ክፍሊት ገንዘብ ዝሓትት ኣብ ርኢስ ምዃኑ ጥዕና`ታ ሃገር`ውን ዝተሸፈነ ኣይኮነን።

ሕጂ ግን ተወሳኺ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ፍትሒ ንኽሓታ ብዝብል ሓደ ኣባል ባይቶ እቲ ኣብ ጋና ዘሎ ሕጊ ንክቕየር ይሰርሕ ኣሎ። ሃገራዊ ውሕስነት ጥዕና ጋና ነቲ ጾታዊ ዓመጽ ከም ጉዳይ ገበን`ምበር ከም ጉዳይ ጥዕና ስለ ዘይርእዮ ከም ዘይሽፍኖ ኣፍሊጡ`ሎ።

ነቲ ዝጸንሐ ሕጊ ብምቕያር ዝሰርሕ ዘሎ ኣባል ባይቶ ጋና ግን ንግዚኡ ወላ ነቲ ወጻኢታት መርመራ ባዕሉ ብምኽፋል እተን መጥቃዕቲ ጾታዊ ዓመጽ በጺሑና ዝብላ ደቀንስትዮ ክምርመራ የተባብዕ ኣሎ።

ብመሰረት ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝወጸ መጽናዕቲ ዩኒሰፍ፡ ኣብ ጋና ወጻኢታት መርመራ ጾታዊ ዓመጽ፡ ካብ 10 ክሳብ 55% ኣታዊ ገዛ`ዩ። እዚ ድማ ብዙሓት ግዳያት ናብ ሕክምና ንኸይከዳ ካብ ዝዕንቅፍ ዘሎ ሓደ ምዃኑ ይግለጽ።