ፕረ. ባይደን ንግዳያት መጥቃዕቲ ቴክሳስ ብኣካል ሓዘኖም ገሊፆም

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

APTOPIX Biden Texas School Shooting

ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ቀዳማዊት እመቤት ጂል ባይደንን ዝሓለፈ ሰሙን 19 ቆልዑን ክልተ መምህራንን ዝተቐትልሉ ኣብ ዩቫልደ ቴክሳስ ትማሊ ሰንበት ብምብፃሕ ምስ ስድራ መወትቲን ቀዳሞት ረዳእትን ተራኺቦም። ናይታ ሃገር መራሕቲ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መጥቓዕትታት ጠጠው ንምባል መንገድታት ከናዲዩ ነበርቲ ሓቲቶም ይብል ፀብፃብ ማይክ ኦ’ሱሊቫን።

ፕረዚደንት ባይደንን ብዓልቲ ቤቶምን ካብ ቀፅሪ ወፃኢ ቀዳማይ ቤት ትምህርቲ ሮብ ኣብ ዝተዳለወ መዘከርታ ቦታ ጉንጉን ዕምባባ ብምቕማጥ ልዕሊ 1,000 ጠያይቲን ብረትን ተዓጢቑ ንቶም ተመሃሮ ዝሓዘሉን ዝተሓብአሉን መምሃሪ ክፍሊ ተዓዚቦ።

ስዒቡ ባይደን ነበርቲ እቲ ከባቢ ህዝባዊ ፀሎተ ፍትሓት ኣብ ዝተሳተፉሉ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን በፂሖም።

ኣብዛ ዳርጋ ኩሉ ነባሪ ብዝብሃል ደረጃ ዝተተንከፉላ ከተማ ቴክሳስ ሰባት ንሓድሕዶም ከፀናንዑ ይርኣዩ። ድምፂ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ብዙሓት ነበርቲ እቶም ፕረዚደንትን ኮንግረስን ክፍፅሙዎ ኣለዎም ዝብሉዎ ተግባራት ተዛሪቦም ኣለው። ምሉእ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ጆርጅ ዝተብሃለ ነባራይ ገለ ናይ ብረት ቁፅፅር ተዝግበር ይብል። ፕሮግራም ክንክን ጥዕና ኣእምሮ ግን ክወሃብ ኣለዎ ዝበለ ንሱ ንርእሱ ወናኒ ብረት ምዃኑ ብምሕባር ‘’ኣፍካ መሊእኻ ምዝራብ ከቢድ እዩ’’ ይብል።

ገለ ተወሰኽቲ እገዳታት ምግባር እዋኑ ዝኣኸለ ይመልስለኒ ይብል ብምውሳኽ ጆርጅ።

ካልኢ ወናኒ ብረትን ነባራይ ዩቫልደን ዝኾነ ፖል ካስቲሎ ድማ ነገራት ክልወጡ ከምዘለዎ ይሰማማዕ። “ኣብ ቤት ትምህርቲ ድሕነትካ ውሑስ ኣይኮነን፡” በለ ፖል። “ብዓልቲ ቤተይ መምህር ካልኣይ ቤት ትምህርቲ እያ። ብኣኣ ኣዚየ እየ ዝሓዝን። እንታይ ከም ዝፍጠር ኣይትፈልጥን። ከምዚ ዝበለ ነገር ኣብዚ እንተድኣ ተፈፂሙ ኣብ ካልእ ክፍፀም ይኽእል እዩ፡” ይብል።

ቤተ ክርስቲያን ምኻድ እተዘውትር ከልዮ ሀርናንደዝ ሃይማኖታዊ እምነታ ፅንዓት ከምዝህባ ብምግላፅ ካብ መንግስቲ ስጕምቲ ትፅቢት ትገብር። “ኵሎም ወከልትና ንህዝቢ፡ ቆልዑቶም ንዝሰኣኑ ሰባት ክሰምዑ ነማሕፅኖም። ሕግታት ክንቅይሮም ኣገዳሲ እዩ፡” ትብል።

እቶም ነበርቲ እዚ እናበሉ ከለው ግን መሰላት ምውናን ብረት ዝድግፍ ጉጅለን ናይ ምእማን ስራሕ ዝሰርሕ ሓያል ናይ ሎቢ ውዳበን National Refile Association /ሃገራዊ ማሕበር ብረትን/ ኣብ ህዩስተን ቴክሳስ ኣኼብኡ ይዛዝም ነይሩ። እቲ ጕጅለ ኣብ ብረት ንዝግበሩ እገዳታት ይቃወም፣ ኣብ ቴክሳስ ዝኣመሰላ ክፍለ ግዝኣታት ድማ ፖለቲካዊ ፅልውኡ ዝለዓለ እዩ።

ባይደን ዑደቶም ይዛዝሙ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ሕዙናት ኣብ ኣደባባይ እታ ከተማ ተኣኪቦም ንግዳያት ክብሮም ይግልፁ፡ ይዝምሩ፡ንኣባልት ግዳያት ዕነባብን ናይ ፅሑፍ መልእኽትታትን ይህቡ። ልዕሊ ኩሉ ድማ እቲ ህውከት ከብቅዕ ተስፍኦም ይገልፁ።