ትግርኛ ናብ ጉግል ንምእታው ብዛዕባ ዝተኻየደ ስራሕ
Your browser doesn’t support HTML5
ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ጉግል ንምእታዉ ክካየድ ዝጸንሐ ስራሓት ኣብ መደምዳታኡ ምብጻሑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ተቓሊሑ ኣሎ። ዲናር ሃይለን ክፍላይ ተ/ብርሃን ካብ ኣባላት ነቲ ስራሕ ዝዓመሙ ጕጅለ ኢዮም። ቅድሚ ሕጂ፡ ኣጋይሽ ድምጺ ኣመሪካ ኰይኖም ነይሮም። ሎሚ ድማ ምስ ምዝዛም እቲ መደብ ንኻልኣይ ጻንሖት ኣዘራሪባዮም ኣሎና።