ፕረሲደንት ባይደን፡ ትማሊ ሰሉስ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ተክሰስ ዝተፈጸመ ቕትለት ክዛረብ ከሎ ሓደ ትርጉም ዝህብ ለውጢ ሕጊ ክንገብር ኣለና ኢሉ- ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣውቶማቲክ ብረት።
“ ሓደ ወዲ 18 ዓመት ቆልዓ ናብ ድኳን ከይዱ ብረት ክገዝእ ምኽኣል ማለት፡ ዓቢይ ጌጋ`ዩ። እግዚሀር የርእኹም! ብረት ንሰብ ካብ ምቕታል ሓሊፉ ንኻልእ ስለ ዘድሊ ድዩ? ጠለበዱ`ኮ መከላኸሊ ጥይት ተኸዲነን ኣይኮናን ኣብ ጫካ ዝጎያ። ብጣዕሚ`ዩ ዘሕርቕ። ፋብሪካታት ብረት ን20 ዓመታት ንዕዳጋ መሸጣ ብረቶም ጎስጉሶም`ዮም፡ ዝያዳ መኽሰብ ዘለዎም ድማ ኮይኖም። ብኣምላኽ ይብለኩም ኣለኹ- ኣንጻር`ዞም ፋብሪካታት ብረት፡ ጠጠው ንምባል ትብዓት ክነርኢ ኣለና፡" ኢሉ።
በቲ ትማሊ ኣብ `ኡቫልደ` ዝተባህለት ከተማ ተክሳስ፡ ኣብ ሓደ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 18 ቆልዑትን ሓደ መምህርን ተቐቲሎም ኣለዉ- ብመሰረት ሓበረታ ሰበ-ስልጣን። ባይደን ንስድራቤታት መወቲ`ውን ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ኣሕሊፉ`ዩ።
ገዛኢ ተክሳሰ ኣባል ሰልፊ ሪፓብሊካን ግረግ- ኣቦት፡ እቲ ተኳሳይ ብረት ወዲ 18 ዓመት ነባራይ`ቲ ኡቫልደ ክኸውን ከሎ ኣብቲ ብፖሊስ ዝተገብረ ግብረ-መልሲ ዝተቐትለ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጽ።
"ክነግረኩም ዝደሊ፡ ኣብ ኡቫልደ ዝተፈጸመ ነገር ፡ ዘሰንብድ ቅዝፈትን ኣብ ተክሳስ ክንጻወሮ ዘይንኽእልን`ዩ። ብኣኽበርቲ ሕግን ክፍሊ ህዝባዊ ድሕነትን ቅጽበታዊ ግብረ-መልሲ ይውሰድ ኣሎ። ዛጊት ቀታላይ መን ምዃኑን ከም ዝሞተን ክፍለጥ ተኻኢሉ`ሎ።"
ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን መራሕቲ ናይ ባይደን ደሞክራቲክ ፓርቲ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ምኽንያት ብምግባር፡ ንመጻኢ ተኾሲ ብረት ንምክልኻል ዝሕግዝ ለውጢ ሕጊ ክግበር ይጽውዑ`ለዉ። እንሆ- ሰነተር ክሪስ መርፊ፡ “ ኣብዚ ኣዳራሽ ኮይነ ነዞም ብጾተይ ተንበርኪኸ ክልምኖም ይደሊ። ሓደ ነገር ንግበር። ከምዚ ከየጋጥም ሓደ ሕጊ ንምሕላፍ ምሳና ስርሑ። ሪፓብሊካን ብጾተይ ምስ ኩሉ ኣነ ዝድግፎ ከምዘይሰማምዑ እፈልጥ`የ። ግን ኩልና ክንሰማማዓሉ ንኽእል ሓባራዊ ጉዳይ ኣለና። ኣመሪካ ድሕሪ ደጊም ጃምላዊ ቕትለት ኣብ ዘይትርእየሉ ስምምዕ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና፡" ኢሉ።
ተክሳስ ብረት ብምውናን ዘለዋ መሰል ብምጥቃም`ያ ትፍለጥ። ነበርታ፡ ባንዴራ ተክሳስ ጥራይ`ያ ማዕረ ቁመት ባንዴራ ኣመሪካ ተንበልብል ዝብል መብዛሕቲኡ ግዜ ጌጋ ርድኢት ኣለዎም።
ትማሊ ምሸት ፕረሲደንት ባይደን፡ ባንዴራ ኣመሪካ ኣብ ዋይት ሃውስን ኣብ ኩሉ መንግስታዊ ህንጻታትን ፍርቂ- ትሕት ኢላ ክትንብልበል ኣዚዙ`ሎ።