መግቢ ሓበሻ ናብ ዝሰፍሐ ንምብጻሕ

Your browser doesn’t support HTML5

ወናኒትን መስራቲትን ጽዮና ፉድስ ዝዀነት ወ/ሮ ጽዮን በለጠ፡ ፈለማ ዝነበራ ቤት መግቢ ብምስፋሕ፡ ሕጂ ናብ ዝበዝሐ ተጠቃሚ ንምብጻሕ ቀጻሊ ጻዕርታት ኣብ ምግባር ትርከብ። ድሮ ኣብ ፍሉጣት ባህርያዊ መግቢ ምስ ዘቕርቡ ትካላት ከም በዓል ሆል ፉድስ ስራሕ ጀሚራ ዘሎ ጽዮን፡ ንስራሓታ፡ በጺሓቶ ዘላ ደረጃን ካልእ ተዛመድቲ ኣርእስታትን ኣመልኪታ ኣዘራሪብናያ ኣለና።