ቻይና ምስ ሩስያ ዘለዋ ንግዳዊ ርክብ ብ12 ሚእታዊ ወሲኹ

ቻይና ምስ ሩስያ ዘለዋ ንግዳዊ ርክብ ብሓፈሽኡ ክረአ ከሎ ኣብ መጋቢት ብ12 ሚእታዊ ወሲኹ ። ካብ’ቲ ኣብ ለካቲት ዝነበረ መጠን ዝነከየ’ኳ እንተኾነ፣ ንመጠን ኣታዊን ሰደድን ክልቲኤን ግና ዝበለጸ ኮይኑ ተራእዩ ኣሎ።

መጠን ካብ ሩስያ ናብ ቻይና ዝተላኣኸ ኣብ መጋቢት ብ12.76% ክዓቢ ከሎ፣ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኡክረይን ወራር ኣብ ዝፈጸመትሉ ለካቲት ግና 25.7% ነይሩ።

እገዳታት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኣብ ዝበርተዓሉ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፣ ቻይና አብ ልዕሊ ጎረቤታ ንዝወርድ ዘሎ ማህሰይቲ ኣብ ምፍኳስ ሓጋዚት ክትኮን ከምትኽእል’ውን ይግለጽ።

ሩስያ ንቻይና ቀንዲ ምንጪ ቀረባት ነዳዲ፣ ጋዝ፣ ከሰልን ሕርሻዊ ፍርያትን ምዃና ይፍለጥ።