“ታሪኽና ባዕልና ክንነግር...” ኣሕታሚ ኣቶ ካሳሁን ቸኮል

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ 1983 ዝጀመረት ኣፍሪካ ዎርልድ ፕረስ (Africa World Press) ምስታ ዳሕራይ ዝሰዓበት ሬድ ሲ ፕረስ (Red Sea Press) ዛጊት ልዕሊ 3000 መጽሓፍቲ፡ ብልዕሊ ደርዘን ቋንቋታት ኣሕቲመን ኣለዋ። ክልተአን ኣሕትምቲ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት በበይኖም ሰውራታትን ኣብ ምትብባዕ ሕትመት ዘቤታውያን ቋንቋታትን ይልለያ።