ክልል ኣምሓራ ቢልዮናት ዝውድእ ንብረት ተዘሚቱ ኢሉ ይኸስስ

A woman stands with an umbrella next to sacks of rice during a food distribution for internally displaced people (IDP) from Amhara region, in the city of Dessie, Ethiopia,

ሰበ-ስልጣን ህወሓት ግን ዕጡቃቶም ኣውሪዶሞ ንዝብሃል ጥፍኣት ኣይቅበሉዎን

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ኢሉ ዝመደቦም ንርእሶም ሓይልታት ትግራይ ኢሎም ዝጽውዑ ዕጡቃት ወሪሮም ሒዞሞም ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ብብዙሕ ቢልዮን ዝቁጸር ንብረት ኣዕንዮም ክብል ክልል ኣምሓራ ኸሲሱ።

እቲ ዕንወት ምህርቲ ሕርሻን ህወሓት ኣብ ቀረባ ዝሓዞም ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ኣይሕውስን ክብል ኮሚሽን ፕላን ልምዓት ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡሎ ብመሰረት ጸብጻብ ኣስቴር ምስጋናዉ ካብ ባህርዳር።

ንኽልል ትግራይ ዘማሓድሩ ዘለዉ ዶር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኾነ ካልኦት ሰበ ስልጣን ሕወሓት ግን ዕጡቃቶም ኣውሪዶሞ ንዝብሃል ጥፍኣት ኣይቅበልዎን። እካደኣስ ባንጻሩ ኣብ ክልል ትግራት ንዝወረደ ዕንወት ካሕሳ ከምዝሓቱ እዮም ዝገልጹ።