ኤርትራዊ ኦለምፒያዊ ተቐዳዳሚ ኣሮን ክፍለ ብሰንበት ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 9 ኪሎ-ሜተር ዝሽፍን ጉያ መሮር ብ25፡33 ግዜ ቀዳማይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ።
ኣብቲ ውድድር ወዲ ብሩንዲ ሮድሪገ ክዊዘራ ንኣሮን ተኸቲሉ ካልኣይ ክወጻእ እንከሎ ኬንያዊ ጆል ኣየኮ ድማ ሳልሳይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።
sport
ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ውድድር ደቀንስትዮ ድማ ዕስራ ዓመታ ንምንጽባል እትቀራረብ ዘላ ኤርትራዊት ራሄል ዳኒኤል ነቲ ብኬንያውያን ኣትለታት ዝዕበለል ዝነበረ ውድድር ቀዳመይቲ ኰይና ፈጺማቶ ኣላ።
ንራሄል ተኸቲለን ድማ ኬንያውያን ቢያትሬስ ቸበትን ማርጋሬት ቸሊሞን ካልኣይቲን ሳልሳይቲን ኰይነን ኣለዋ።