ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ብዝቕጽል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውልው ተመዛበልቲ ይሻቕል

ኲናት የመን ገና ኣብ ዘይዓረፈሉ፡ ኣብ ማሪብ ዝተባህለ ዞባ ዝቕመጡ ዘለዉ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ከም ዘለዉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ። ካብቶም ኣስታት 190-ሽሕ ዝግመቱ ተመዛበልቲ፡ ኣብ ርእሲ ስእነት ጸጥታ፡ ወትሩ ብመሰረታዊ ቀረባት ከም ዝሳቐዩ እቲ ኮሚሽን የመልክት።

ኣብታ ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ሑቲን መንግስቲ የመን፡ ንምምሕዳር ማሪብ ኣብ ምቍጽጻር ብዝካየድ ዘሎ ከቢድ ኲናት፡ ንህይወት ኣሽሓት ሰባት የማዝብል ኣሎ።

ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝተኻየደ ዳህሳስ፡ እቲ ንኣስታት 190-ሽሕ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ኣዕቊቡ ዘሎ መዓስከራት፡ ብስእነት መሰረታውያን ቀረባት ይስቐ ኣሎ። ወሃቢት ቃል ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣይካትሪን ኪቲዲ ኣብ እትገልጾ፡ ስእነት ጽሩይ ማይ፡ ዓይኒ-ምድሪ፡ ቀረባት ጥዕና፡ ኤለትሪክን ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት’ዩ ዘሎ።

“ብሰንኪ ዘሎ ስእነት ውሕስነት ጸጥታ ንኣስታት 21 ሚእታዊት ካብቶም ሓገዝ ዝደልዩ ጥራይ’ዮም ክብጽሑ ተኻኢሎም ዘለዉ። ብሰንኪ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓያሎ ዜጋታት ካብ መረባታቶም ተመዛቢሎም’ዮም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ። ደቀንስትዮን ቆልዑ ኣስታት 80% ናይቶም ተመዛበልቲ’ዮም ዝሽፍኑ። ምስ’ቲ ዘሎ ሕጽረት መጽላሊ፡ ጻዕቂ ነበርቲን ስእነት መሰረታዊ ቀረባትን ድማ እቶም ቀዳሞት ተጠቃዕቲ ንሳቶም’ዮም።” ትብል ኪቲዲ።

ኣብቲ ንሽዱሽተ ዓመት ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ንልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ዜጋታት ኣማዛቢሉ ኣሎ። ኣስታት ሓደ ርብዒ ካብዞም ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ኣብ ምምሕዳር ማሪብ’ዮም ዝርከቡ።

ብመሰረት ሓበሬታ ወሃቢት ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ቀጻሊ ደብዳብ ከቢድ ብረትን ኣየርን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንኣስታት 24-ሽሕ ዜጋታት ኣፋናቒሉ።

እቶም ተመዛበልቲ ገለኣቶም ኣብ ከተማታት ክዕቆቡ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ኣብተን 150 ዝዀና ብግቡእ ዘይተጣየሳ መናቢዪ ስደተኛታት ኣለዉ። እቲ ግዜያዊ መዓስከራት በቲ ድሮ ሒዙዎ ዘሎ ቍጽሪ ኣዕለቕሊቑ ምህላዉ ዝሓበረት ኣፈኛ ላዕለዋይ ኮሚሽን፡ ነቶም ኣመና ሓገዝ ዝጸልዩ ንምብጻሕ’ውን ኣጸጋሚ ከም ዘሎ ትጠቅስ።

“እዞም መዕቆቢታት እኹላት ኣይኰኑን። ካብ ኵሉ ዝገደደ ድማ በቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዘጓነፈ ውሕጅን ብሰንኪ ኣብ ደገ ምኽሻን ዘጋጠመ ባርዕን መሊሶም ተጓዲሎም’ዮም። ዋላ’ኳ ስእነት ቀረባት እንተሎ፡ ኣማራጺ’ውን ስለ ዘየሎ፡ ገለ ስድራቤታት በታ ዝረኸቡዋ ከምእኒ ኮቦርታ፡ መሸፈኒ ፕላስቲክን ኣጭርቕቲን ተጠቒሞም መጽላሊታት ይሰርሑ ኣለዉ።” ዝበለት ወሃቢት ቃል ኪቲዲ’ያ።

ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ንዅላቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት፡ ንሰላማዊ ህዝቢ ዘይተገደበ ሓገዝ ክባጻሕ ከፍቅዱ ይጽውዕ።

እታ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝባ ኣብ ድርኩኺት ዓጸቦ ዘላ የመን፡ ብመግለጺ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝኸፍአ ዓለማዊ ቅልውላው’ያ ዘላ።