ክልተ ፓርቲታት ሶማሊላንድ ኣብ ፓርላማ መሪሕነት ንምርካብ ሕብረት ምፍጣሮም ተገሊጹ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል
    ዜና ቪኦኤ

ክልተ ፓርታታት ንባዕላ ናጻ ሃገር ኢላ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ኣብ ፓርላማ ላዕላዋይነት ቦታ ንምሓዝ ሕብረት ከቑሙ ተሰማሚዖም።

እታ ግዝኣት ንዝሓለፈ 30 ዓመት ናጽነታ ምስ ኣወጀት`ያ- ግን ካብ ዓለም ዝኾነ ኣፍልጦ ኣብ ምርካብ ኣይተዓወተትን።

እንተኾነ ከም ናይ ባዕላ ዝበለ ባጤራ:ፓስፖርት ከምኡ`ውን ሓይልታት ምክልኻል ዝበለ ትካላት ኣለዉዋ።

ብመሰረት ውጽኢት`ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተገብረ ፓርላመንታዊ ምርጫ ሶማሊላንድ፡ ክልተ ተቓወምቲ ውድባት መሪሕነቶም ኣርእዮም ኣለዉ።