ኣስታት 400 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ሲ ኣይ -4' ብዝተባህለ ናይ ጀርመን ትካል ግብረሰናይ ትውነን መርከብ ልዕሊ 400 ስደተኛታት ትማሊ ሶኑይ ግንቦት 17,2021 ካብ ማእከላይ ምድሓኑ ገሊጹ:: ካብቶም ስደተኛታት ብዙሓት ህጻናት: አላይ ዘይብሎም ቆልዑ: ነፍሰጾራትን ከምዝርከቡዎምን እቶም ስደተኛታት ካብ ሶርያ:ባንግላዴሽ: ኣይቨሪኮስት: ሱዳንን ኤርትራን ዝመጹ ምዃኖም ተሓቢሩ'ሎ::