መንግስቲ ጃፓን ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስኮሮና አዋጅ ህጹጽ እዋን ክእውጅ ከምዝክእል ተገሊጹ

  • ገብረ ገብረመድህን
    ዜና ቪኦኤ

መንግስቲ ጃፓን ካልእ ዙር ለበዳ ብምግጣሙ ኣብ ከተማታት ቶክዮን ኦሳካን ሓድሽ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ክእውጅ ከምዝኽእል ተፈሊጡ።

'ዘ ማኒች' ዝተባህለት ጋዜጣ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውጸአቶ ሕታማ ኣማሓዳሪ ቶክዮ ዩሪኮ ኮይከ ካብ 29 መጋቢት ክሳብ 9 ግንቦት ዝጸንሕ ህፁፅ ግዜ ክእወጅ ሓቲቶም ኣለው።

ኣብ ጃፓን 542,467 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ምትሓዞም ተረጋጊፁ ኣሎ። 9,682 ድማ ተመዝጊቦም ኣለው።

ብዝተሓሓዝ ኣብ ህንዲ ኩነታት ሕጂ እውን ከቢድ ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ።ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሓደ መዓልቲ 295,041 ብኮቪድ 19 ዝተታሕዙ ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው። ኣብቶም ዝሓለፈ ሸውዓተ ተኸታተልቲ መዓልታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 200,000 ሰባት ብኮቪድ ተታሒዞም ኣለው።