ኣብ ብሪጣንያ ክልተ ዓይነታት ክታበታት ቫይረስ ኮሮና ንምጥቃም ይከአል እንተኾይኑ ንምርኣይ ፈተነታት ምጅማሮም ተገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ክልተ ዓይነት ክታበታት ኮቪድ19 ብሓደ ምጥቃም ዝክኣል እንተኾይኑ ንምርኣይ ኣብ ብሪጣንያ ፈተነታት ተጀሚሩ።

ኣብ ብሪጣንያ ካብ ክልተ ኩባንያት ዝፈረየ ማለት ካብ ፋይዘር- ባዮንተክን፡ ካብ ኣስትራ ዚንካን ዝፈረዩ፡ ኣብ ናይ ክልተ ሰሙናት ምፍንታት ከም ክልተ ዓቐን ክታበታት ክውሃቡ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ንምርኣይ ኣብ 800 ሰባት ፈተነታት ይግበር ኣሎ ።

እቲ ፈተነ እንተተዓዊቱ ኣብ ዙርያ ዓለም ክታበታት ኮቪድ19 ንኸድምዕ ዝያዳ ተዓጻጻፍነት ከምዝህልዎ ሰበ-ስልጣን ጥዕና ይኣምኑ።

ብኻልእ ወገን ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ሓንቲ ዓቐን ማለት ዶዝ ካብ 21 መዓልታት ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ዝበጽሕ ጥራሕ ከምዝከላኸል`ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።