ፕረሲደንት ኢሳያስን ቀ/ሚ ኣቢይን ግድብ ህዳሰ በጺሖም

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ዝገብሩ ዘለዉ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምዃን፣ ነቲ ዓቢይ ግድብ ህዳሴን ንግቤ 4ይ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክን ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።

Eritrean and Ethiopian leaders Observing GERD

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ክዛረቡ ኸለዉ፥ሎሚ ዓመት ኣብ ግድብ ህዳሴ ዝዕመም ስራሕ ወሳንነት ከም ዘለዎ ኣፍሊጦም።

እቲ ግድብ ሕጂ ዝርከበሉ ደረጃ ዘዕግብ ምዃኑ'ውን ቀ/ሚ ኣቢይ ተዛሪቦም።

ትማሊ ሰኑይ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ናይ ኤርትራ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣብ ምሕያል ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምዝርራቦም ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ሓቢሮም ኣለዉ፡ ዝርዝር 'ቲ ዝርርብ ግን ኣይሃቡን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረሲደንት ኢሳያስን ቀ/ሚ ኣቢይን ግድብ ህዳሰ በጺሖም