"እዚ ፈደራላዊ ስርዓት ሓዲሽ ምትዕርራይ ዝደሊ ናይ ኩልና ማዕርነትን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ዝድለ ሓድነትን ዘረጋግጽ ቀጻሊ ምትዕርራያት ዝግብኦ ምዃኑ ሓቢርና ክንሰርሕ ንኽእል ምዃና'ውን በዚ ኣጋጣሚ ክንገልጸልኩም ንፈቱ"
እቲ ክልል ካብ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተፈልዩ ኣብ ዘካየዶ መረፃ ዝሰዓረ ውድብ ህወሓት ሎማዓንቲ ሓዱሽ መንግስቲ እቲ ክልል መስሪቱ።
ኣብዚ ምስረታ ሓዱሽ ባይቶ እቲ ክልል ስርሑ ዝጀመረ ኮይኑ ፕሬዝደንት እቲ ክልል ኮይኖም ዝተሾሙ ዶክተር ደብረፅዮን እውን ቃለ መሓላ ፈፂሞም።
'ፌደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ከም ብሓዱሽ ዝተዓራረየሉ እዋን በፂሑ ኣሎ' ኢሎም እቶም ፕሬዝዳንት።
'እዚ ፈደራላዊ ስርዓት ሓዲሽ ምትዕርራይ ዝደሊ ናይ ኩልና ማዕርነትን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ዝድለ ሓድነትን ዘረጋግጽ ቀጻሊ ምትዕርራያት ዝግብኦ ምዃኑን ሓቢርና ክንሰርሕ ንኽእል ምዃና'ውን በዚ ኣጋጣሚ ክንገልጸልኩም ንፈቱ" ኢሎም ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል።
Your browser doesn’t support HTML5
ድሕሪ ኣሰሓሓቢ ምርጫ ክልል ትግራይ ሎሚ ፕረሲደንት'ቲ ክልል ኮይኑ ዝተመርጸ ዶር ደብረጽየን