ኣብ ኢትዮጵያ፥ ንድምጻዊ ሃጫሉ ሁንደሳ ናይ 80 መዓልቲ ዝኽሪ ኣብ ከተማ ኣምቦ ተኻይዱ

Hachallu Memorial

ኣቶ ሽመልስ፥ ኣብቲ ንድምጻዊ ሃጫሉ ክስራሕ ተወጢኑ ዘሎ ሓወልትን ማእከል ባህልን`ውን እምኒ-መሰረት ኣንቢሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ዝተረኸበ ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ሃጫሉ ንመንነትን ታሪኽን ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ምልላይ ዓቢይ ተራ ኔሩዎ`ዩ ኢሉ።

ኣቶ ሽመልስ፥ ኣብቲ ንድምጻዊ ሃጫሉ ክስራሕ ተወጢኑ ዘሎ ሓወልትን ማእከል ባህልን`ውን እምኒ-መሰረት ኣንቢሩ።

Hachallu Memorial

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ንሃጫሉ ናይ ሞያ ብጾቱን ቤተሰቡን ተረኺቦም ኔሮም

ፕረሲደንት ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ዶ/ር ታደሰ ቀንኣ፥ ንካምፓስ ተክኖሎጂ ብሽም`ቲ ድምጻዊ ከምዝሰየም ዘፍለጠ ክኸውን ከሎ፥ ናይ ከተማ ኣምቦ ዋና መንገዲ`ውን ብሽም ሃጫሉ ከም ዝስመ ከንቲባ ሳህሉ ድሪብሳ ኣፍሊጡ።

ነቲ ሓውልትን ማእከል ባህልን ዛጊድ ልዕሊ 114 ሚልየን ብር ኣብ ባንኪ ኣታዊ ከምዝኾነ`ውን ተሓቢሩ`ሎ- ከም ጸብጻብ ናኮር መልካ ካብ ከተማ ኣምቦ።

Hachallu Memorial