ኣቶ ሽመልስ፥ ኣብቲ ንድምጻዊ ሃጫሉ ክስራሕ ተወጢኑ ዘሎ ሓወልትን ማእከል ባህልን`ውን እምኒ-መሰረት ኣንቢሩ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ዝተረኸበ ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ሃጫሉ ንመንነትን ታሪኽን ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ምልላይ ዓቢይ ተራ ኔሩዎ`ዩ ኢሉ።
ኣቶ ሽመልስ፥ ኣብቲ ንድምጻዊ ሃጫሉ ክስራሕ ተወጢኑ ዘሎ ሓወልትን ማእከል ባህልን`ውን እምኒ-መሰረት ኣንቢሩ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ንሃጫሉ ናይ ሞያ ብጾቱን ቤተሰቡን ተረኺቦም ኔሮም
ፕረሲደንት ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ዶ/ር ታደሰ ቀንኣ፥ ንካምፓስ ተክኖሎጂ ብሽም`ቲ ድምጻዊ ከምዝሰየም ዘፍለጠ ክኸውን ከሎ፥ ናይ ከተማ ኣምቦ ዋና መንገዲ`ውን ብሽም ሃጫሉ ከም ዝስመ ከንቲባ ሳህሉ ድሪብሳ ኣፍሊጡ።
ነቲ ሓውልትን ማእከል ባህልን ዛጊድ ልዕሊ 114 ሚልየን ብር ኣብ ባንኪ ኣታዊ ከምዝኾነ`ውን ተሓቢሩ`ሎ- ከም ጸብጻብ ናኮር መልካ ካብ ከተማ ኣምቦ።