ፕረሲደንት ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣል ቡርሓን ሎሚ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ከምዝገበረ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝለኣኾ ትዊተር ሓቢሩ።
Sudanese President Visits Eritrea September 7 2020
ምስ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድማ ኣብ ንግዲ፡ ጸጥታን ወተሃደራውን ጭቡጥ ስጉምትታት ንምውሳድ ኣብ ዘኽእል ስምምዕ ከምዝበጽሑ ጠቒሱ'ሎ።
ከምኡ'ውን ዞባዊ ሰላም ኣብ ምሕያል ብዕቱብ ክሰርሑ ምስምምዖም ተተሓሒዙ ዝመጻና ዜና ይገልጽ። መራሒ ሱዳን ናብ ሃገሩ ቅድሚ ምምላሱ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ዝርከባ ዲጋታትን ልምዓታዊ ፕሮጀክትታትን'ውን ተዘዋዊሩ ከምዝተዓዘብ ኣቶ የማነ ኣብ ትዊተሩ ጠቒሱ'ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5
ፕረሲደንት ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣል ቡርሓን ሎሚ ኣብ ኤርትራ