ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝንቀሳቀሱ ሰለስተ ውድባት አባላቶም ብጅምላ ይእሰርዎም ከምዘለዎ ሓቢሮም

ኣብ ኢትዮጵያ ቅትለት ህቡብ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣባላቶምን ደገፍትታቶምን ብጃምላ ከምዝተኣሰሩዎም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ሰለስተ ፖለቲካዊ ውድባት ገሊፆም።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ\ኦነግ\፣ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ\ኦፌኮ\ን ናይ ኦሮሚያ ብሄራዊ ፓርትን ከምዝበሉዎ ኣባላቶም ብጃምላ ምእሳሮም፣ዝተቐተሉን ዝቖሰሉን እውን ከምዘለውን ኣብያተ ፅሕፈቶም እውን ከምዝተዓሸጉዎምን ገሊፆም።

ኦነግ ናይቲ ውድብ ላዕለዎት ኣመራርሕኡ ሓዊሱ ኣባላቱ ሃለዋቶም ከምዘይፈልጥ ሓቢሩ።

ኣቦ ወንበር ኦፌኮ ዝኾኑ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ብወገኖም ልዕልነት ሕጊ ብዝብል ሰበብ ኣብ ልዕሊ ኣባላትን ደገፍትን ውድቦም ዝለዓለ ምክልባት ይፍፀሞም ኣሎ ኢሎም።

ኣባላቱ ኣብ ዞባታት ምዕራብ ኣርሲ፣ባሌን ሃረርጌን ከምዝተኣሰሩዎ ዝገለፀ ናይ ኦሮሚያ ብሄራዉ ፓርቲ ተኣሲሮም ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቀረቡ ከምዘለው ገሊፁ ኣሎ።

ንዞም ክስታት መልሲ ዝሃቡ ኣብ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ዳይረክቶረት ናይ ዝተወደቡን ተሳገርቲ ዶብን ገበናት ኣቶ ፈቃዱ ፀጋ ኣብ ቐይዲ ዝኣተው ሰባት ከምዘለው ብምሕባር ብዝፈፀምዎ ገበን እምበር ብፖለቲካዊ እምነቶም ዝተኣሰሩ ሰባት የለውን ኢሎም።

ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ውዒሎም ቤት ፍርዲ ዘይቀረቡ እንተሃሊዮም ከምዘፃሪዩ ወሲኾም ሓቢሮም።