ኣሜሪካ:  ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ኣልዒላቶ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣንቢራቶ ዝነበረት ናይ መገሻን ምድስካል ንብረትን እገዳ ኣልዒላቶ።

ሚንስትሪ ገንዘብ ኣሜሪካ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፥ ንኣቶ የማነ ገብረኣብ ካብ ዝርዝር`ቲ "ብፍሉይ ዝተመደቡ ዜጋታት" ዝብል መዝገብ እገዳ ከም ዘውጽኦ ኣፍሊጡ`ሎ።

እቲ እገዳ ምስቲ ኣብ ሶማል ምስ ኣልሸባብ ብዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተገብረ ማዕቀባት ሕቡራት ሃገራት ብዝተኣሳሰር ኣሜሪካ ብወገና ዝገበረቶ እገዳ`ዩ ኔሩ።

ካናዳ ድማ ኣብ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ ማዕቀብ ኣብ’ዚ ቀረባ ከም ዘልዓለቶ ዝምልከቶ ክፍሊ ምምሕዳር ካናዳ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ዘርጊሕዎ`ሎ።