ሕ/ሃ ቫይረስኮሮና ነቲ ኣብ የመን ዘሎ ሓደገኛ ኩነታት ዘጋድድ'ዩ ይብል

  • ተወልደ ወልደገብረኤል
    ዜና ቪኦኤ

ኣብ የመን ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምግጣም፥ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ መደብ ይቃናዕ ኣሎ። ሰራሕተኛታት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 2.4 ቢልየን ዶላር ይሓቱ`ለዉ።

የመን- ብቐደሙ`ውን ኣብ ሕማቕ ድኽነትን ግጭትን ዝጸንሐት ሃገር`ያ -ሕጂ ድማ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተደሪብዋ። ኣብ መንጎ ብስዑድያ ዝምርሑ ሓይልታትን ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲን ተቐርቂራ ትሳቐ ዘላ የመን- ተወሳኺ ለበዳ ሕማም ክትጻወር ኣይትኽእልን። ብመሰረት ሓበረታ ኣሶሼትድ ፕረስ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ትካላት ረድኤት- -ብሰንኪ ግጭት 75 % ፕሮግራሞም ክዓጽዉ ተገዲዶም ዝህብዎ ራሽን’ውን ነኪዮም-።

ኣብ የመን ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ረድኤት ሊሳ ግራንደ፥ ንሓደ ስድራ ገጹ እናረኣኻ- ይቕረታ እቲ ንኽትነብር ዘድልየካ መግቢ ብፍርቂ ክቑረጸካ`ዩ ክትብሎ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ትገልጽ።

ብዘይካ’ዚ ካብ ሆስፒታል ዝተመለሱ ሕሙማት ቫይረስኮሮና ከምዘለዉ ይንገር- ምኽንያቱ-ዝኣክል ስርዓት ሕክምና የለን። ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፥ ኣብ የመን ካብቶም ብኮቪድ-19 ዝሓመሙ እቶም 20 % ይሞቱ፥ ብደረጃ ዓለም ግን እቲ ቁጽሪ- 7 %`ዩ።

ሕቡራት ሃገራት ድማ ነቶም ንርእሰ-ከተማ ሰንዓ ዝቆጻጸሩ ሑቲ፥ ንቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ ኣትሒትኩም ትሕብሩ ኣለኹም ኢሉ-ይኸሶም- ሑቲ ግን ነቲ ክሲ ይነጽግዎ።

እቲ ንዕጡቓት ሑቲ ንምስዓር ዝዋጋእ ብስዑድያ ዝምራሕ ጥምረት ድማ፥ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ዘካይደሉ እዋን፥ ሓደ ሓደ ግዜ ንሆስፒታላትን ኣብያተ-ትምህርትን ከምዝሃርም`ዩ ዝግለጽ።

ሕጂ 80 % ሲቪላት የመን ረድኤት መግቢ እንተዘይረኺቦም- ጥምየት ከምዝጽበዮም`ዩ ዝግለጽ። ነዚ`ዩ ድማ ኣብ`ቲ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ዝግበር ዘሎ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ መደብ፥ ሰራሕተኛታት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 2.4 ቢልየን ዶላር ይሓቱ ኣለው።