ነቲ መግለጺ ዘውጽአ ጉጅለ ሕወሓት፡ ብምኽንያት ለውጢ፡ ረብሕኡ ዝተቛረጾን፡ እቲ ዝነበረ ግፍዒ ንኽምለስ ዝምነ ዘሎን`ዩ` ኢሉ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ሓላፊ ፕረስ ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር. ኢትዮጵያ
ንጉሡ ጥላሁን /የኢትዮጵያ ጠቅላይ ሚኒስትር ፅሕፈት ቤት የፕሬስ ኃላፊ/
ኣብ ኢህወደግ ዘለዉ ውድባት ናብ ሓደ ክውሃሃዱ ንምግባር ዝግበር ዘሎ ኣካይዳ፡ ንኢህወደግ ዝብትንን፡ ካብኡ ሓሊፉ`ውን ሃገር ዘፍርስ ኣካይዳ`ዩ ክብል ሕወሓት ተቓዊምዎ`ሎ።
ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ን7 መዓልታት ዘካየዶ ኣኼባ ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዓዲ ንምምራሕ ሓላፍነት ዘይተዋህቦ ሓዲሽ ፓርቲ ክምስረት`ዩ ዝግበር ዘሎ ኢሉ።
ነዚ ምላሽ ዝሃበ ቤት ፅሕፈት ኢህወደግ ብወገኑ፡ እቲ ውህደት፡ ሃገራዊ ሓድነት ዝፈጥር ሙኻኑ ዘካየድናዮ መፅናዕቲ ዘርኣዮ`ዩ ይብል::
እዚ መግለጺ`ዚ ካብ`ቲ ነቲ ለውጢ ዝቃወም፡ ንህዝቢ ዘይውክል ኣካል ዝወጸ`ዩ ዝበለ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ሓላፊ ፕረስ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን፡ “ነቲ መግለጺ ዘውጽአ ጉጅለ፡ ብምኽንያት ለውጢ፡ ረብሕኡ ዝተቛረጾን፡ እቲ ዝነበረ ግፍዒ ንኽምለስ ዝምነ ዘሎን`ዩ ኢሉ። ኣተሓሒዙ፡ ሕወሓት ብዛዕባ ውህደት ኢህወደግ ኣመልኪቱ ኣውጺእዎ ዘሎ መግለጺ፡ ካብ`ቲ ንዓመታት ዘንጸባርቖ ዝነበረ መርገጺኡ ዝተፈለየ`ዩ ኢሉ።
ሙሉጌታ ኣፅብሃን እስክንድር ፍሬውን፡ ዝለኣኽዎ ጸብጻብት ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡-
Your browser doesn’t support HTML5
ክሲ ሕወሓትን ምላሽ መንግስትን