መግለጺ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ምፍታሕ 2004 ተአረምቲ

Your browser doesn’t support HTML5

ካቢነ መንግስቲ ትግራይ ብምክንያት መዓልቲ ሰማእታት 2004 ተአረምቲ ሕጊ ብይቕሬታ ክፍትሑ ከምዝወሰነ ካብኣቶም 13 ኤርትራውያን ምዃኖም ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ:: ካቢነ መንግስቲ ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ተአረምቲ ሕጊ ኣብ መአረሚ ቦታ ኣብ ዝፀንሕሉ ግዜ ብዝፈፀምዎ ገበን ተጣዒሶም ህዝቢ ንምክሓስ ድልዋት ዝኾኑ ክፍትሑ ምውሳኑ ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ትግራይ ኣይተ ተኪኡ መተኩ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ተዛሪቦም::