ቂሔ-ጽልሚ፡- መጽሓፍ-`ጽባሕ` ካብ ኣስመራ፡ ድምጻዊት ራሄል ሃይለ ካብ ሆላንድ፡ መደብ ሓገዝ ንበያን ኣሕመድኑር ካብ ዋሺንግተን ዲሲ

Rahel Haile

ተስፋሂወት ገብረሂወት ብ1978 ኣብ እንድሕሽ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ተወልዱ። ኣባል ሻዱሻይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተስፋሂወት፡ እኹል ናይ ትምህርቲ ዕድል እኳ እንተዘይረኸበ ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ናይ ምንባብ ዝንባለኡ ንናይ ምጽሓፍ ዓቕሙ ክብ ከብሎ ሓጊዝዎ`ዩ ይብሉ ናይ ቀረባ ብጾቱ። “ብዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን ተስፋሂወት ብዕለት 12 ሰነ 2016 ኣብ ከባቢ ጸሮና(ኣኽራን) ተሰዊኡ”.

The late Tesfahiwet Ghebrehiwet

ብህይወት ከሎ ዝጽሕፎ ዝነበረ ግጥምታትን መዘከርታትን `ጽባሕ` ብዝብል ተጠርኒፉ ብሓዉ ሓጎስ ገብርሂወት ክሕተም ክኢሉ`ሎ፡

ብዛዕባ ሰላም “ሕጂ ግርም” ዝብል ዜማ ዘውጽአት ራሄል ሃይለ ካብ ኢትዮጵያ ኣብ መገሻ ካብ ሆላንድ ኣዘራሪብናያ ኣለና፡

Rahel Haile

ከምኡ`ውን ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ንሓገዝ በያን ኣሕመድኑር ዝተዳለወ ምሸትን ኣብ ናይ ሎሚ ቂሔ ጽልሚ ተኻቲቱ`ሎ።

Beyan Ahmednur

Your browser doesn’t support HTML5

Kaleidoscope