ድሕሪ ምኽፋት ዶብ ዝጀመረ ምንቅስቃስ ህዝቢ ካብን ናብን ኤርትራን ኢትዮጵያን
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብዘን ዝሓለፋ 2-3 መዓልታት ኣስመራ- ሰንዓፈ-ዛላንበሳ መስመር ፣ ካብ ወትሮ ብዝተፈለየ ብብዝሒ ተሽከርከርትን ሰባትን ኣዕለቕሊቑ ይርከብ።ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2011 ኢትዮጵያ ፣ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀ/ሚ ኢትዮጵያን ነበርቲ ወከልቲ ክልቲኡ ህዝብታትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ንኤርትራን- ኢትዮጵያን ዘራኽብ መስመር ኣስመራ-ዛላንበሳ- ትግራይ ብወግዒ ድሕሪ ምኽፋቱ ካብን ናብን
ኣስመራ -ዓዲ ግራት-መቐለ ናይ ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ታርጋ ዘለዎም ተሽከርከርቲ ብብዝሒ ክንቀሳቐሳ ጀሚረን ኣለዋ።