"ንህልው ኩነታት ብቐጥታን ብዕምቆትን ክንፈልጦን ቀጻሊ ውጥን ስራሕ ምእንቲ ክንነድፍን ልኡኽ ናብ አዲስ አበባ ነበግስ አለና” ፕረ. ኢሳያስ

Your browser doesn’t support HTML5

መንግስቲ ኤርትራ ንሰላማዊ ጽምዶ ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝሰደድ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ኣፍሊጡ። ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማዕታት ሎሚ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተረኺቡ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ኢሳያስ “ንህልው ኩነታት ብቐጥታን ብዕምቆትን ክንፈልጦን ቀጻሊ ውጥን ስራሕ ምእንቲ ክንነድፍን ልኡኽ ናብ አዲስ አበባ ነበግስ አለና”ኢሉ።