ኬንያዊያን ንግዳያት መጥቃዕቲ ሞቓድሾ ደም ክልግሱ ውዒሎም

ግዳይ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኬንያውያን ኣብ ነቑጣታት መለገሲ ደም ተረኺቦም ንግዳያት ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ነታጒ ሞቓድሾ ሶማል ዝኸውን ደም ክልግሱ ውዒሎም።

ኣብ ምብራቓሲ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝተዳለወ ግዝያዊ መለገሲ ደም ዝተረኽቡ ኬንያውያን: ነቶም ዝሓለፈ ቀዳም 14 ጥቅምቲ ኣብ መቓድሾ ካብ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ነታጒ ብህይወት ዝተረፉን ኣብ ሆስፒታላት ተዓቒቦም ብሕጽረት ደም ንዝተሸገሩን ንምሕጋዝ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ኣብ ዝወሰደ መስርዕ ተጸብዮም ክልግሱ ከምዝወዓሉ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተር ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።

Your browser doesn’t support HTML5

ኬንያዊያን ንግዳያት መጥቃዕቲ ሞቓድሾ ደም ክግልሱ ውዒሎም

ኣብ መቓድሾ ኣብቲ ጻዕቂ ህዝቢ ዝንቀሳቐሰሉ ቦታ ነታጒ ዝተጻወደት መኪና ድሕሪ ምፍንጃራ ልዕሊ 300 ሰባት ክሞቱ ከለው: ብውሕዱ 400 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉ ይፍለጥ።

በዚ ኣብ ታሪኽ ሶማል ዝለዓለ ቕዝፈት ህይወት ሰብ ዝገደፈ ንጽል መጥቃዕቲ: ቑጽሪ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ይውስኽ ምህላው'ዩ ብተወሳኺ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ዜና ሶማልያ: ሃገሩ ባንክ ደም ከምዘይብላን ኣብ መደበራት ጥዕና ዝርአ ሕጽረታትት ነቶም ካብቲ መጥቃዕቲ ብመጉዳእቲ ዝተረፉ ሓገዝ ንምሃብ ከምዘጸገመዩ ገሊጹ።

ቱርክን ቀጠርን ዝርከብአን ሃገራት ሕክምናዊ ሓገዝ ኣብ ምሃብ ይሳተፋ ምህላወን ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።