ኣብ ኢትዮጵያ "ሽግራት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተለዋወጡን እናሰፍሑን ዝመጽሉ ኩነታት`ዩ ዘሎ" ሚንስተር ኮሚኒኬሽን

መንግስቲ ኢትዮጵያ 34 ኣብ ዝተፈላለየ ስልጣንን ሓላፍነትን ዝነበሩ ሰባት ከምዝኣሰረ ኣፍሊጡ`ሎ: መንነቶምን ሓላፍነቶምን ግን ዛጊት ኣይገለጸን። ሚንስተር ኮሚኒኬሽን ነገሬ ለንጮ፡ ዝርዝር መረዳእታ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ይገልጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ " ሽግራት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተለዋወጡን እናሰፍሑን ዝመጽሉ ኩነታት`ዩ ዘሎ " ዝበሉ ዶ/ር ነገሬ ለንጮ፡ መንግስቲ ነቶም ጸገማት ንምቕራፍ ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

ዝሓለፈ እዋን ኣብ ክልላታት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝተላዕሉ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት፡ መልሲ ክረኽቡ ከምዘለዎም መንግስቲ ኣሚኑ ይሰርሓሎም ኣሎ`ውን ኢሎም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኢትዮጵያ 34 ሰባት ብዛዕባ ምእሳር ዝምልከት ጸብጻብ