ኢትዮጵያዊ ዶ/ር ቴድሮስ አድሓኖም ዳይሬክተር ውዱብ ጥዕና ዓለም ኮይኖም ተመሪጾም
Your browser doesn’t support HTML5
ኢትዮጵያዊ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ትማሊ ኣብ ጀነቭ ስዊዘርላንድ ብዝተኻየደ ምርጫ ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊ ዳይሬክተር ውዱብ ጥዕና ዓለም ኮይኖም ተዓዊቶም።
ኣብቲ ዝተኻየደ ሰለስተ ዙር ምርጫ ልዕሊ ፍርቂ ድምጺ ብምርኻብ ዝተዓወቱ ዶ/ር ቴድሮስ ኣቐዲሞም ሚኒስተር ጥዕናን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኮይኖም ዘገልገሉ ክኾኑ ከለው ዓለምለኸ ኣገልግሎት ጥዕና ንኩሉ ብቀዳምነት ዝሰርሕሉ ጉዳይ ምኳኑ ኣብቲ አጋጣሚ ገሊጾም።