2,300 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ትማሊ ሓሙስ 18 ግንቦት 2017 ዓ.ም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብህይወት ኣድሕን ስርሒታት ኤስኦኤስ ሜዲተራንያንንን ትካል ሓካይም ብዘይ ዶብ 2,300 ፍልሰተኛታትን ስደተኛታትን ምድሓኖም ተገሊጹ። እቶም ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣብ 22 ነአሽቱ ብቑዓት ዘይኾኑ ጀላቡ ተጻዒኖም ከምዝነበሩ እተን ነቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘካየዳ ትካላት የረድኡ።