ኣብ ጽምዶ ኣሜሪካን ኤርትራን - ብሰለስተ ተኸታታሊ ክፋላት ኣብ ቪኦኤ ዝተመሓላለፈ ክትዓት ኤርትራውያን ኣመሪካውያን

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ሳልሕ ዮኑስ(ጸጋም)፡ኢብራሂም ዓብደኑር(ካልኣይ ካብ ጸጋም)፡ኤልያስ ኣማረ(ሳልሳይ ካብ ጸጋም) ን ገረንስኤ ኣስፍሃ(የማን)

ኣትላንቲክ ካውንስል ዝተባህለ ኣመሪካዊ ማእከል ፖሊሲ፡ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣሜሪካን ዘሎ ኣተሓሳስባን ዝምድና ክልቲኤን ንምምሕያሽ ዘሎ ዕድላትን ዝምልከት፡ ሓሙሽተ ኣሜሪካውያን ምሁራት ፖሊሲ ዓዲሙ ሓደ ዓውደ-ዘተ ኣዳልዩ ኔሩ።

ኣብቲ መድረኽ መጽናዕታዊ ጽሑፋቶምን ተሞክሮታቶምን ዘቕረቡ ኣሜሪካውያን ምሁራትን ክኢላታት ፖሊሲን- ፒተር ፋም፡ ብራንውን ብሩቶን፡ ሰት ካፕላን፡ ኣንቶኒ ከሮልን፡ ዳን ኮነልን፡ እዮም።

ነቲ ዓውደ-ዘተ መሰረት ብምግባር ኣርባዕተ ዝተፈላለየ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣረኣእያ ዘለዎም ኤርትራውያን ዘተ ኣካይዶም።

ነዚ ዘተ ዘካየዱ ጋዜጠኛን ተመራማርን ኤልያስ ኣማረ፡ ጸሓፍን ኣሰናዳእን ገዳብ ኒውስ ሳልሕ ዮኑስ፡ ኣባል መሪሕነት ሃገራዊ ማሕበር ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ኢብራሂም ዓብደኑር፡ ኣባል ተለቪዥን መኣዲ ዘተ ገረንስኤ ኣስፍሃ`ዮም።

ብሰለስተ ተኸታታሊ መዓልታት ዝተመሓላለፈ ዓውደ ዘተ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣርባዕተ ኤርትራውያን: ኣትላንቲክ ካውንስል ኣብ ዘዳለዎ ጽምዶ ኣሜሪካን ኤርትራን ይዘራረቡ