ንልደተ ክርስቶስ ዝምልከት ዝተዳለወ መደብ

REUTERS Barack and Michelle Obama speaking to US Marines in Hawaii

ኣብ መዕራባዊ ገማግም ክተማ ቤተለሄም ብፍልስጤማውያን ዝተመርሐ ክብረ-በዓል ተኻይዱ

ኣብ መዕራባዊ ገማግም ክተማ ቤተለሄም ብፍልስጤማውያን ኣዋልድን ኣወዳትን ዝተመርሐ ክብረ-በዓል ክካየድ ከሎ ካብ ዙርያ ዓለም ዝመጹ ነጋዶ ይዕዘቡ ኔሮም። ናብ`ቲ " ክርስቶስ ዝተወልደሉ ክትቀርብ ከላኻ ነቲ ሕጻን ብኢዱ ሒዝካ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ ትብሎ ዘለኻ ኾይኑ ይሰመዓካ " በለት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኸደት በታኒ ዎከር።

ዘይዝውቱር ምትሕብባር እስራኤልን ፍልስጤኤማውያንን ኣብ`ቲ በዓል ይንጸባረቕ ኔሩ።

ኣብ`ዚ ኣብ ኣመሪካ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ናይ ትውልዲ ክፍለ-ግዝኣቶም ዝኾነት ሃዋዪ ምስ መሓዙቶም ብምዝንጋዕ ኣሕሊፎሞ።

ተመራጺ-ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ድማ ኣብ ፍሎሪዳ፡ ኣብ`ታ ኣብ 2005 ምስ ማላንያ ቃል-ኪዳን ዝኣሰረሉ ቤተክርስትያን ተሳሊሙ። ኣብ ክንዲ ርሑስ ልደት ምባል ርሑስ በዓል ምባል ኣብ ልዕሊ ክርስትና ዝዓለመ መጥቃዕቲ`ዩ ናብ ቦትኡ ክመልሶ`የ ኢሉ ትራምፕ።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣከባብራ በዓል ልደተ-ክርስቶስ