እቲ ኣብ ክልታት ኦሮምያን ኣምሓራን ጀሚሩ ጸኒሑ`ውን ኣብ ገለ ከባቢ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ጎንጽን፡ ከም ተወላዶ ትግራይ ኣብ ዝበሉ`ውን ጉድኣት ኣውሪዱ`ዩ።
ዋሽንግተን —
ሕወሓት ዝተወልደሉ ክልል ትግራይ፡ ምስ`ቲ ውድብን መንግስትን ዘለዎ ዝምድና ከመይ ይመስል? ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ተረባሒ`ዩ ዝብል ብገለ ወገናት ዝቐርብ ሞጎተ ማዕረ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ?
መንግስቲ ኾነ ሕወሓት`ከ ከምኡ ዓይነት ስምዒት ንኸይፍጠር ዝሰርሖ ስራሕ ኣሎ`ዶ?
ብዛዕባ`ዚ ክካትዑ ዝተዓደሙ፡ ገብረስላሰ ኣርኣያ ካብ ሽወደን፡ ቅድስት ተስፋይ ካብ ቨርጂንያ፡ ጎዲፍ ተፈሪ ካብ ኦሃዮ እዮም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ኢትዮጵያውን ንኹነታት`ታ ሃገር ብመንጽር ትግራዎት ይግምግሙ