ሓይልታት ጸጥታ ሶማል ነቶም ትማሊ ኣብ ህቡብ ሆቴል ሞቃዲሾ መጥቓዕቲ ፈጺሞም 24 ሰባት ዝቐተሉ ዕጡቓት ቀቲሎሞም ክብሉ ሰበ-ስልጣን’ታ ሃገር ኣፍሊጦም።
ዋሽንግተን —
ሚኒስትር ጸጥታ ሶማል ዓብደልራዛቕ ዑማር መሓመድ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ሰለስተ ዕጡቓት ኣብ እዋን’ቲ ኣብ ኣምባሳደር ሆቴል ትማሊ ዝተኻየደ ምትኳስ ቀቲሎሞም’ዮም ብእኦም ንዝተታሓዙ 57 ሰባት’ውን ለይቲ ኣድሒኖሞ’ዮም ኢሎም።
እቲ መጥቓዕቲ ረቡዕ ለይቲ ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ቦምብ ጀሚሩ ድሕሪኡ ዕጡቃት ናብቲ ሆቴል ብምእታው ኣብ ልዕሊ ኣጋይሽ ተኹሲ ከፊቶም ብውሑዱ 17 ሰባት ካብኦም 12 ሰላማዊያን ሰባት 3 ሓለውቲ ጸጥታ 2 ኣባላት ፓርላማ ቀቲሎም። በቲ ሓደጋ ቆሲሎም ሆስፒታል ካብ ዝተለአኹ ኸአ ድሒሮም 3 ሰባት ሞይቶም ኢሎም።
ጉጅለ ግብረ ሽበራ ኣል-ሸባብ ሓላፍነት’ቲ መጥቓዕቲ ወሲዱ’ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5