ዋዕላ ሃገራት G- 7 ኣብ ጃፓን

Your browser doesn’t support HTML5

ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ኣበ ሲንዞ ንዋዕላ ሃገራት G- 7 ዝመጹ መራሕቲ ተቐቢሎም። እቲ ዋዕላ ኣብ ምምዕባል ኢኮኖሚ ዓለም፡ ቃልሲ ኣንጻር ግብረ-ሽበራን ጸጥታ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ዝብል ጉዳያት ኣተኩሩ ክዘራረብ’ዩ። እቲ ዋዕላ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ጃፓን ዝጅመር ኮይኑ እተን ብG-7 ዝጽወዓ ሃገራት ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያ፡ጃፓን፡ ጀርመን፡ ጣልያን፡ ካናዳን ፈረንሳን’ዮም።