ዋሽንግተን —
ኣብ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ ምስ መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ ዝተራኸቡ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ፡ ኣብ ምርግጋእ ማእከላይ ምብራቕ ጸቒጦም ከምዝተዛተዩ ሓቢሮም።
ፖሊቲካዊ ቅልውላው ሶርያ፡ የመን፡ ዒራቕ፡ ሊብያ ቀዳምነት ተሰሪዑ ከምዝተላዕለ`ውን ጠቒሶም። “ ንዳዕሽ ንምድምሳስ ቆሪጽና`ለና” ።
ኣመሪካ ምስ ሃገራት ዓረብ፡ በቲ ምስ ኢራን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኑክሌር ብዝምልከት ከምዝተፈላለያ ይፍለጥ። እቲ ውዕል፡ ንኢራን ዘተባብዕ`ዩ ዝብል ስኽፍታ`ለዋ ስዑዲ ዓረብ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5