ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ንደገፍቶም መብርሂ ሂቦም

ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ

ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ደርቅን ዘስዓቦ ኩነታትን ንምምሕዳራዊ ኣተሓሕዛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓታቲ ዝገብሩ ዶ/ር ብርሃኑ፡ ኣብ ኤርትራ ኣዝመራ ፈሺሉ እናሃለወ፡ ሰብ ዘይጠመየን፡ እኽሊ ዘይከበረን ስለምንታይ`ዩ ክብሉ ሓቲቶም። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ብልሽውናን ምምንጣልን መልክዑ ዝቐየረ ምዃኑ ጠቒሶም።

ምስ ፖሊትካዊ ሓይልታት ኦሮሞ ንሰፊሕ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ዶ/ር ብርሃኑ ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ዝቖሰለ ኣራዊት” ስለዝኾነ ምስኡ ዝግበር ቃልሲ ዝኸረረ`ዩ ኢሎም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንግንቦት 7 ምስ ኣሸበርቲ ውድባት ከምዝምድቦ ይፍለጥ።

ብዛዕባ ኣኼባ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ብሓጺሩ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ንደገፍቶም መብርሂ ሂቦም