'ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ'ሎ' ኦፈኮ

ትማሊ ሰሉስ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ተማሃሮ 2ይ ደረጃ ተቓውሞ ኣብ ዝወጽሉ ሓደ ተማሃራይ ተቐቲሉ።

ነቲ ኣስከሬን ጽዒና ኣብ ዝነበረት መኪና`ውን ፖሊስ ፈንጂ ደርብዩ ይብል ሓደ ነባሪ ንቪኦኤ አብ ዝሃቦ ቃል ሓደ በዓል ስልጣን ክሊ ኦሮሚያ`ውን ምሟት`ቲ መንእሰይ ኣረጋጊጹ`ሎ።

ብኻልእ ወገን፡ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ፡ መንግስቲ ንፈደራላዊ ስርዓት ኣብ ምፍራሱ ይርከብ ብምባል ነቲ ኹሉ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋታት ተሓታቲ`ዩ ይብል።

'ንገላገሎ`ዶ ንኸውን ዝበልናዮ ኢፍትሓውነት፡ ብዕጽፊ እናወሰኸ ተስፋ ዝገበርናሉ ሰላም ርሒቑና፡ ኣብ መሬትና ተደብዲብና፡ ዝተመነናዮ ማዕርነት ሕልሚ ኾይኑ፡ ሓድነት`ዛ ሃገር ኣጠያያቒ እናኾነ መጺኡ'ይብል ኣቶ በቀለ ነጋ።

ዋና ጸሓፊ ኤፍኮ ኣቶ በቀለ ነጋ ኣተሓሒዙ፡ ቆልዑትና እናረኣናዮም ተቐቲሎም በኺና ቀቢርና ይብል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ብምኽንያት ማስተር ፕላን፡ ካብ ክሊ ኦሮሚያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣቱ ጭራም መሬት የለን ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

Your browser doesn’t support HTML5

'ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ወዲቑሎ' ኤፍኮ