አብ ኤርትራ ሃገራዊ ባጤራ ናቕፋ ክቕየር ውዒሉ

ባንኪ ኤርትራ ዘውጽኦ ባጤራ ናቕፋ ናይ ምቕያር ኣዋጅ ሎሚ ረቡዕ ክትግብሮ ጀሚሩ።

ብመሰረት`ቲ ባንኪ ዘውጽኦ መምርሒ፡ ኣብ ዑደት ዝርከብ ኩሉ ኣረጊት ወረቐታዊ ባጤራ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰሙን ክቕየር ኣለዎ።

ካብ 20 ሺሕ ናቕፋ ንላዕሊ ግን፡ ኣብ ባንኪ ምቕማጥ ጥራይ ከምዝክኣል እቲ መምርሒ ይገልጽ።

ሎሚ ኣብ ርእሰ-ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝወዓለ መስርሕ ምቕያር ናቕፋ፡ ኣብ ባንክታት ንውሕ ዝበለ ሰልፍታት ይርኣይ ከምዝነበረ፡ ካብ ነበርቲ ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ።

ኤርትራ ስለምንታይ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ባጤራ ናቕፋ ምቕያር ከምዝወሰነት፡ ቪኦኤ ካብ ሰበ-ስልጣን ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ወግዓዊ ሸርፊ ሓደ ዶላር ኣመሪካ 15 ናቕፋ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ግን ክሳብ ልዕሊ 50 ናቕፋ በጺሑ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

Your browser doesn’t support HTML5

አብ ኤርትራ ሃገራዊ ባጤራ ናቕፋ ክቕየር ውዒሉ