ሌላ ናይ ባዕሉ ነፋሪት ምስ ዝሰርሐ ኢትዮጵያዊ ኣስመላሽ ዘፈሩ( 2ይ ኽፋል)

  • ገብረ ገብረመድህን

Asmelash Zeferu Building his own airplane

35 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣስመላሽ ዘፈሩ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንመጀመሪያ ግዜ ናይ ባዕሉ ነፋሪት ሰሪሑ’ሎ።28 ጥቅምቲ 2008 ዓ/ም ከብርራ እውን መደብ ሒዙ’ሎ። ኣስመላሽ ዘፈሩ ንባዕሉ ‘’ፓይለት ወይ ካፕተን ኣስመላሽ’’ ኢሉ ይፅውዕ።ዝኾነ ይኹን ናይ ኣቪየሽን ስልጠና ኣይወሰደን፤ኣብ ነፋሪት ተሳፊሩ እውን ኣይፈልጥን።ንዓመታት ናይ ኣቪየሽን መፃሕፍቲ ብምንባብን ናይ ዩቱብ ቪዲዮን ብምርኣይን ጥራሕ እዩ ሰሪሑዋ ዘሎ።

ኣብ መንገዲ እየር ኢትዮጵያ ንምቑፃር ፈቲኑ ብሓንቲ ሴንት ሜርት ብምሕፃሩ ቀዳማይ ሕልሙ ዕንቅፋት እንተጋጠሞ እውን ናይ ባዕሉ ነፋሪት ንምስራሕ ተሊሙ ክሳብ ሰሪሑ ዝውድእ 15 ዓመታት ከምዝወሰደሉ ይገልፅ።’’ድሕሪ 15 ዓመታት ናይ ባዕለይ ፋብሪካ ናይ ንአሽቱ ነፈርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንምህናፅ መደብ ኣለኒ’’ ይብል ኣስመላሽ።ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ኣብ 2023 ዓ/ም ምዃኑ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣስመላሽ ዘፈሩ 2ይ ኽፋል