ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ዓለም ካብ ኲናትን ግጭትን ክትርሕቕን ኣብ ክንድኡ ኣብ ዙሪያ ዓለም ዘለው ግጭታት ንምፍታሕ ሓድሽ ፃዕርታት ዲፕሎማሲያዊ ፅምዶታት ክህሉን ሎማዕንቲ ሰኑይ ፀዊዖም።
ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ኒው ኒዮርክ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 70 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ሎም መዓልቲ ሰኑይ ኣብዘስምዕዎ መደረ ‘’ተረዳዲእና ብሓባር እንተድኣ ዘይሰሪሕና ብሳዕቤኑ ክንሳቐ፤ሓቢርና እንተድኣ ሰሪሕና ድማ ሓያላት ክንኸውን ኢና ኢሎም።
UN General Assembly
መራሕቲ መንግስታት ፀቅጢ ብምግባር ዘምፅእዎ ነገር እንተሃለወ ናዕቢ ክለዓዓሉ ምግባር'ዩ ክብሉ'ውን ወሲኾም። እንተኾነ ግን ኦባማ ንወታደራዊ ሓይሊ ዩናይትድ ስቴትስን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ እስላማዊ ናዕበኛታት ዳዕሽ እተካይዶ ዘላ ወፍሪን ተኸላኺሎም።
ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪ ሙን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ የመን ዝፍፀም ደብዳባት ነፈርቲ ብህፁፅ ጠጠው ክብል ፀዊዖም።
UN General Assembly
ሙሉእ ትሕዝት ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።
Your browser doesn’t support HTML5
TIG-UNGA-9-28-15