ኤርትራዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረሰላሰ፡ ዝነኣሰ ተዓዋቲ ማራቶን ዓለም ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ

ኤርትራዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረሰላሰ

ወዲ 19 ዓመት ግርማይ ገብረሰላሰ፡ ንሃገሩ ኤርትራ ፈላማይ ናይ ማራቶን ወርቂ መዳልያ ብምዕታር`ውን ተወሳኺ ታሪኽ ዘመዝገበ መንእሰይ ኮይኑ`ሎ።

ኣብ`ቲ ኣብ በይጂንግ ቻይና ዝተኻይደ 42 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝሸፈነ ቅድድም ጉያ እግሪ፡ ግርማይ 2 ሰዓትን 12 ደቒቕን ዝወደኣሉ ክኸውን ከሎ፡ ኢትዮጵያዊ የማነ ጸጋይ 40 ሰኮንድ ድሒሩ ካልኣይ ብምውጻእ ናይ ብሩር ሽልማት ተዓዋቲ ኾይኑ`ሎ። ሳልሳይ ዝወጸ ኡጋንዳዊ ሙንዮ ሶሎሞን ሙታይ`ዩ።

​ተዓዋቲ ኦሎምፒክ ኡጋንዳዊ ስቲፈን ኪብሮቲች 6 ክወጽእ ኸሎ፡ ዝሓልፈ ማራቶን ቦስቶን ዝሰዓረ ኢትዮጵያዊ ለሊሳ ደሲሳ 7ይ፡ ኤርትራዊ ኣማኑኤል​መለስ ድማ 9 ይ ብምውጻእ ዛዚሞም ኣለዉ።

ሻምፒዮን ማራቶን በይጂንግ ግርማይ ገብረስላሰ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ ዕላማ ሒዝካ እንተጽዒርካ ከምትዕወት ዘርኣየኒ ውድድር`ዩ” ክብል ተዛሪቡ`ሎ።

Your browser doesn’t support HTML5

Eritrean becomes youngest Worlds marathon winner ever