ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ዝናብ ከረምቲ የሻቕል

drought_ethiopia

ኣብ ክልል ዓፋር እንስሳ ይሞታ`ለዋ፡ ኣብ ኤርትራ ዞባ ደቡብ`ውን ከብቲ ሳዕሪ ኣይጸግባን

ኣብ መብዛሕቲኡ ከባብታት ኢትዮጵያ ሎሚ ዘመን ሕጽረት ዝናብ ኣጋጥIሙ`ሎ። ብፍላይ ኣብ ከባቢ ኽሊ ዓፋር እንስሳ ብጥምየት ይሞታ ከምዘለዋ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይገልጹ`ለዉ። ወሃቢ-ቓል ሚንስትሪ ሕርሻ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ እቲ ጥምየት ኣብ ሰብ ኣይበጽሐን፡ እንተበጺሑ ኸኣ እኹል መግቢ ዓቑርና ኣለና ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ግን ፡ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ምዕዳል ህጹጽ ረድኤት መግቢ ንምክትታል ሎሚ ናብ`ቲ ከባቢ ዝተንቀሳቕሰት ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ፐትሪሻ ስላሽ ፡ ጠለብ ተጸበይቲ ረድኤት ወሲኹ ከምዘሎ ገሊጻ`ላ።

ሎሚ ብኢምባሲ ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 2 ሚሊዮን ንዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት ንምዕዳል መደባት ወጺኡ ኣሎ።

ብወገን ኤርትራ ቪኦኤ ዘዘራረቦም 3ተ ሓረስቶት ዞባ ደቡብ`ውን ኣብ ከከባቢኦም ሕጽረት ዝናብ ኣጋጢሙ ከምዘሎ ሓቢሮም ኣለዉ።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

Your browser doesn’t support HTML5

Ethiopia and Eritrean poor rain