ናትናኤል ብርሃነ ኣብ ዙር ዩታህ ኣብ ዛዛሚ ዝነበረ 7ይ ዙርያ 3ይ ተዓዊቱ ኣብ መድረኽ ደይቡ፡ ናይ ብሉጽ ተቓላሳይ ሽልማት`ውን ተኺቡ

Natnael Berhane 1

ኣብ 7ይ መድረኽ 3ይ ንምውጻእ ኣብ መድረኽ ወጺኡ ዝተሸለመ ናትናኤል፡ ብብሉጽ ቃልሲ`ውን ተሸሊሙ`ዩ።

ሻምፕዮን ኤርትራ 2015 ዝኾነ ናትናኤል፡ ናብቲ ናይ መዛዘሚ መድረኽ ሓሙሻይ ደረጃ ሒዙ እኳ እንተኣተወ፡ ብሓፈሻ ግዜ ግና ሻውዓይ እዩ ወጺኡ፣

ኣመሪካዊ ጆ ዶምብሮውስኪ ብደቒቕን 22 ካልኢት ንናትናኤል በሊጹ ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘ ተቐዳዳማይ እዩ፣ በዚ ድማ ንሱ፡ተሸላሚ ብጫ ማልያ ዙር ዩታ 2015 ኮይኑ`ሎ።

ናትናኤል ብርሃነ ብዘርኣዮ ሓያል ብቕዓት፡ ብገምገምቲ`ቲ ውድድር፡ብርቱዕን ደፍራን ዝብል መግለጽታት ይወሃቦ ኔሩ። ብኸምዚ ዓይነት ዓወት ክወጽእ ፍጹም ዘይተጸበይዎ ተቐዳዳማይ ምዃኑ`ውን ዝገልጹ`ለዉ።

ብዛዕባ ቱር ዩታህ ዝተዳለወ ፈነወ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

Your browser doesn’t support HTML5

On Tour of Utah