Pro. Beyene Petros on Ethiopian election
ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ብዛዕባ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝሃብዎ ሪኢቶ ነቲ ኩሉ ሰናይ ዘረብኦም ዝሰርዘ እዩ ክብሉ ኣቦ መንበር መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ተዛሪቦም። ዘረባ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ልዕሊ ተስፋ ዴሞክራሲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጉድኣት ዘውረደ እዩ ኢሎም። እቶም ፕሬዝዳንት ደገፍቲ ኢህወዴግ ብዝኾኑ ሰበ-ስልጣናቶም ተኸቢቦም'ለዉ ክብሉ ፕሮፌሰር በየን ገሊፆም።
ኣብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓጋዚ ምንስቴር ወፃኢ ንጉዳያት ሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራስን ቶም መለወንስኪ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቕ ብወገኖም ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኮይኖም ብዛዕባ ዴሞክራሲን ብዛዕባ ምፍታሕ ጋዜጠኛታትን ዘስምዕዎ መደረ ብርቱዕ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ እዩ ኢሎም።
ሙሉእ ፃብፃብ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።
Your browser doesn’t support HTML5
TIG-Ethio-Oppostion-Tom-Mailwኦስኪ