3ተ ኤርትራውያን ዝርከብዋ ጋንታ ብሽክለታ ደቡብ-ኣፍሪቃ፡ ኣብ`ቲ ቱር-ዲ-ፍራንስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝዓበየ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ብምስታፍ ኣብ ታሪኽ ጸሊም ኣፍሪቃ ፈላመይቲ ኾይና`ላ።
ሰለስቲኦም ኤርትራውያን ማለት፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ብርሃነን፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ኣብ`ቲ ውድድር ዝካየደሉ ናይ ፈረንሳይ ሰንሰለታዊ ጎቦታት ኣብ ልምምድ`ዮም ዘለዉ።
ካልኦት ንጋንታ MTN ወኪሎም ዝሳተፉ 3ተ ድማ ደቂ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኾኑ ኸለዉ፡ ጃኩስ ጃንስ ረንስበርግ፡ ሉዊስ መይንጂስ ከምኡ ድማ ረይናርድ ይብሃሉ።
እቲ ዓቢይ ውድድር ቱር-ዲ-ፍራንስ፡ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ 4 ,2015 ኣብ ፈረንሳ ክካየድ`ዩ።
Your browser doesn’t support HTML5